ልዊስ በተን 30 ኣቢለን ዚበጽሓ ዘፍረየን መጽሓፍቱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝተንስኡ ዓበይቲ ክርስቲያን ማእምራን ከም ዝኾነ ይጥቀስ። በቶም ዘፍረዮም መጻሕፍቱን ምጽናዕታዊ ጽሑፋቱን፡ ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብቶም ኣብ ክርስትና ይኹን ኣብ ስነ-ጽሑፍ እንግሊዝ ጸላዊ ሓድጊ ዝገደፉ ሰብ እዩ። ብፍላይ ድማ እታ ሰለስተ ክፋል ዝሓዘት ሳይንሳዊ ልበ-ወለድ፡ ከምኡ’ውን እታ ንህጻናት ኢሉ ዝጸሓፋ ሸዉዓተ ክፋላት ዝሓዘት ፋንታዚያዊ መጽሓፉ፡ ኻብተን ክሳብ ሕጂ ህቡብነተን ዘይጐደላ ስርሓቱ እየን።
ኣብዘን መጻሕፍቱ ብዛዕባ ክርስትናን፡ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዝነበሮ ስነ-ጽሑፋዊ ኣፍልጦ ብፍሉይ ብቕዓትን ምቕሉልነትን ብቕዓቱ ዘርኣየለን ስርሓቱ እየን። ኣቐዲሙ ብቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሓለፈ ወተሃደር፡ እሞ ኸኣ ትርጉም ህይወት ኣብ ውግእ ብፍሉይ ዝረኣየ ብምዃኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዚኻየደሉ ዚነበረ ዓመታት (1939-1945)፡ ነዚ ብፍሉይ ዚውክላ ክልተ መጽሓፍቲ ናብ ህዝቢ እቕሪቡ እዩ። እታ ቐዳመይቲ ኣብ 1941 ዝተሓተመት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣጋንንቲ ዘሎ ናይ ስራሕ ዝርርብ እትገልጽ ኮይና፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ 1945 ዝተሓትመት ኣብ መንጎ ኣርያምን ሲኦልን ንዘሎ ዓብዪ ፍትሕ እትገልጽ መጽሓፍ እያ።
እምበኣር ኣብዛ ስራሕ ነቲ ብድሕሪ ካብዚ ምድሪ ምግዓዝና ዝጽበየና ሃገር እናሓሰብና፡ ከመይ ዝበለ ህይወት ይጽበየና ከም ዘሎ እናሰላሰልና፡ ነዚ ዘልኣለማዊ ሓቂ ናይ ኣርያም ከይንርኢ ኣብዚ ምድሪ ዝሓላልኹና ምኽንያታት ብንጹር በዛ መጽሓፍ ክንርእዮም ንኣንበብቲ እዕድም።
Details
- Publication Date
- Jul 10, 2024
- Language
- Tigrinya
- ISBN
- 9781304205032
- Category
- Religion & Spirituality
- Copyright
- All Rights Reserved - Standard Copyright License
- Contributors
- By (author): ለሰ መስፍን
Specifications
- Pages
- 137
- Binding Type
- Paperback Perfect Bound
- Interior Color
- Black & White
- Dimensions
- A5 (5.83 x 8.27 in / 148 x 210 mm)