Show Bookstore Categories

ስሕበሰብ

ስሕበሰብ

Byርሆንዳ ባይረንታገል አዳነ

Usually printed in 3 - 5 business days
ደቒ ሰባት ንሓሳብና ኢና ዝንመስል ። ብሓሳባትና ልክዕ ህይወትና ቕርፂ ትትሕዝ እያ ። ብተገድሶና ይኹን ብዘይ ተገድሶና ዝንሓስቦም ሓሳባት ከም ህይወትና ኾይኖም አብ ቕድሜና ይገሃዱ እዮም ። እዚ ዝኸውነሉ ምኽንያት ክንሓስብ እንከለና ንስሕብ ስለ ዘለና እዩ ። እዚ ድማ ናይ ምስሕሓብ ህጊ ይበሃል ። ናይ ምስሕሓብ ህጊ መሳሊ ንመሳሊኡ ይስሕብ እዩ ዝብል ። ልክዕ ከም ዝንሓስቦ ከምኡ ንኸውንን ንነብርን ። ሓሳባት ርግብግቢት(ሞገድ) አለዎም ። ስለ ዝኾነ ከም እቲ ዘለናሉ ዓይነት ሓሳብ ሞገድ(ርግብግቢት) ዘለዎም ነገራት ናብ ባዕልና ይሰሓቡ ማለት እዩ ። ስለ ዝኾነ ምኽዋን ናይ ዝንደልዩ ነገር ደጋጊምና ብምሕሳብ ስምዒት ምስ ፈጠርናሉ ሽዑ ንረኽቦ ኢና ማለት እዩ ።ንአብነት ፅቡቕ ክትሓስብ እንከለኻ ፅቡቕ ይስመዐካ ። እቲ ፅቡቅ ስምዒት ድማ በቲ ማዕበል እሱ ዘለዉ ፅቡቕ ነገራት የምፀአልኻ ማለት እዩ ። ሕማቕ እናተሰመዐካ ፅቡቕ ሓሳባት ኽህልውኻ አይኽእልን ። ምኽንያቱም ናይ ምስሕሐብ ህጊ ስለዘሎ እዩ ። ህይወትና ናይ ነባር ሓሳባትና መርአይት መስትያት እያ ። ስምዒታትና እንታይ ከም ዝሓሰብና ንምፍላጥ ዝወሃቡና መገብቲ መልስታት እዮም ። ስለዝኾነ ከም እቲ ምኽዋን ዝንደልዮ ዓይነት ሓሳባት ጥራሕ ደጋጊምና ብምሕሳብ አብ ርእስና ዓብላላይ ሓሳብ ምስ ገበርናዮ ከምኡ ንኸውን ኢና ማለት እዩ ። አብ ህይወትና ዝደለናዩ ነገር ንምርካብ ሰለስተ ብርኪታት አለው። ንሳቶምውን 1. ሕተት ፣ 2.እመን 3.ተቐበል እዮም ። ክንሓስብ እንከለና ንሓትት አለና ማለት እዩ ። ዝንሓስቦ ነገር ስምዒት ምስ ፈጠረ አሚንና ማለት እንትኸውን ሽዑ ከም ሓሳብና ንቕበል ማለት እዩ ።

Details

Publication Date
Feb 26, 2024
Language
Tigrinya
ISBN
9781304587947
Category
Humor
Copyright
All Rights Reserved - Standard Copyright License
Contributors
By (author): ርሆንዳ ባይረን, Translated by: ታገል አዳነ

Specifications

Pages
200
Binding Type
Paperback Perfect Bound
Interior Color
Black & White
Dimensions
Digest (5.5 x 8.5 in / 140 x 216 mm)

Keywords

Ratings & Reviews